'
;

ኣገዳሲ ሓበሬታ፥ ኣብ መስራሕ ስፖንሰርሽፕ “ጉጅለ ሓሙሽተ መወልቲ” ካናዳ ዘመልከቱ ሓተትቲ ዑቕባ።

ንፕሮግራም 'ጉጅለ ሓሙሽተ መወልቲ' ኣመልኪቶም ኣብ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ቃለ መሕትት ንዝጽበዩ ሓተትቲ ዑቕባ ሓበሬታን መብርህን ዝህብ ቪድዮ።

 

 

ኣብ ኣዋርሕ መጋቢት-ሚያዝያ 2021፡ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት(ዩኤኔህሲኣር)፡ ኣብ ካናዳ ስፖንሰር  ዘለዎም ኣብ እስራኤል ንዝርከቡ ሓተትቲ ዑቕባ “ስደተኛ ምኹናም ” ዝነግር ደብዳበ ንኽቕበሉ ዝደልዩ መምዝገቢ ፎርም ኣብ ኢንተርነት ዘርጊሑ ነይሩ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ፡ UNHCR ልዕሊ 4000 ጥርዓናት (ኣመልከትቲ) ተቐቢሉ።ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ ኣባላት  UNHCR ነዞም ጥርዓናት(ኣመልከትቲ) ኣጎልጉሎት ንምሃብ  ብቐጻሊ ይሰርሕ ኣሎ።

ኣብ ነብሲ ወከፍ ሕቶ/ጥርዓን፡ UNHCR ስዒቦም ዘለዉ ሰለስተ ስጉምትታት ክፍጽም ኣለዎ፤

  1. ምርግጋጽ ዝርዝር ሓበሬታ ኣብ ካናዳ ስፖንሰር ዝግበሩ ስፖንሰራት
  2. ቃለ መሕትት ኣመልካቲ/ቲት
  3. ኣመልካቲ ብውልቂ ስድተኛ ድዩ ኣይኮነን ምውሳን

ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ኣብ ዓመተ 2021 ንደብዳቤታት UNHCR ዘመልከቱ ብዙሓት ሰባት ብሰንኪ ዝተሓላለኸ ባህሪ ናይቲ መስርሕን ድሩት ዓቕምታትናን ክሳብ ሕጂ ንቃለ መሕትት ክጽውዑ ይጽበዩ ኣለዉ።ትጽቢት ዝግበረሉ ዕለተ ቃለ መሕትት ማዓስ ምዃኑ ንምፍላጥ ናብ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት(ዩኤኔችሲኣር) ምድዋል ኣየድልን።

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ንስፖንሰርጉጅለ ሓሙሽተ መወልቲዝምልከት ሓድሽ ጥርዓነት ቃለመጠይቕ ንመራጋገጺ ደብዳቤታትን ኣይቅበልንዩ፡ ኣብ ዝቕጽል እዋን እውን እንተኾነ  ሓድሽ ጥርዓናት ኣይክቅበልን እዩ። ሓደስቲ ጥርዓናት/ኣመልከትቲ ናይ ምቕባል ዕድል እንተተፈጢሩ፡ ኩሉ ሕብረተሰብ ክፈልጥ ክንገብር ኢና ።

 

 

ኣገዳሲ ሓበሬታ! ናይ ኣሜሪካ ዝካየድ መደብ ብሕቲ ስፖንሰርሺፕ–  WelcomeCorps 

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣሜሪካ ኣብ ኣሜሪካ ዌልከምኮርፕስ(WelcomeCorps) ዝበሃል ሓድሽ ናይ ብሕቲ ስፖንሰርሺፕ ንፈተነ ከም ዝኸፈተት ኣፍሊጣ ነይራ። UNHCR ነዚ መደብ ዝምልከት መመልከቲታት ኣብ ምምስራሕ ዝኾነ ተራ የብሉን። Welcome Corps መደብ መንግስቲ ኣሜሪካ ኮይኑ  ዝርዝር  ሓበሬታ ብዛዕባኡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ መንግስቲ ኣሜሪካ ዌብ ሳይት WelcomeCorpsክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ እስራኤል(ዩኤንኤችሲኣርምስዚ መደብ ተተሓሒዙ ቃለ መሕትት ኣይገብርን ወይ ከም ስደተኛ ኣፍልጦ ዝህብ ደብዳቤታት ኣይህብን እዩ፣ ብዛዕባ እቲ መስርሕ ተወሳኺ ሓበሬታ እውን የብሉን።